1. No woman should die while giving life : Does the Health Extension Program improveaccess to maternal health services in Tigray, Ethiopia?
- Author
-
Gebrehiwet, Tesfay Gebregzabher and Gebrehiwet, Tesfay Gebregzabher
- Abstract
Introduction: Ensuring access to universal primary health care is essential to secure a safe and pleasant motherhood and to provide compassionate care for mothers and newborns.However, inequalities in the access to maternal health services still remain a prominent problem in many countries. As part of reducing inequalities, Ethiopia launched the Health Extension Program (HEP) in 2003. The HEP is a community based program designed with a defined package of essential promotive, preventive and basic curative services targeting households, particularly mothers and children. Despite the construction of over 600 health posts and deploying more than 1200 Health Extension Workers (HEWs), preliminary data suggests a low utilization of maternal health care services. This thesis explores the HEP contribution in improving women’s access to maternal health care, and the reasons for the low use of maternal health care services from the perspectives of the involved actors in the Tigray region in Ethiopia. The five dimensions of access were used as a framework to explore the access to maternal health care utilization in this setting. Methods: A total of four districts were included in the study. Both quantitative and qualitative methods were applied. In the first sub-study, we assessed the HEP and its association with change in the utilization of antenatal, delivery and postnatal care services. Retrospective longitudinal data for 10 years was extracted from three selected districts and checked for accuracy. Segmented linear regression technique was used to control the secular trends adjusted for correlation of the data. For the second sub-study, we conducted a cross sectional survey with 1115 women (aged 15-49 years who had given birth within five years prior to the survey period) to determine the prevalence of antenatal care and institutional delivery utilization and explore their determinant factors of low utilization. For the third sub-study, we conducted six focus group discuss, ሽፋን መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ምዕባይ ድሕንነት ኣዴታትን ህፃናትን ንኽረጋገፅ ዝለዓለ ተራ ከምዘለዎ ይፍለጥ፡፡ ይኹንደኣምበር ግልጋሎት ጥዕና ኣዴታት ብማዕረ ኣብ ምብፃሕን ብምዕሩይ ኣገባብ ኣብ ምሃብን ብዙሓት ሃገራት እናተፀገማ እየን፡፡ ነዚ ዘይምዕሩይን ማዕረ ዘይኾነን ኣዋህባ ግልጋሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ኣብ ሃገርና (ኢትዮጵያ) ብ1994-1995 (ብአቆፃፅራ ግእዝ) ዝተኣታተወ ፕሮግራም ምግፋሕ ጥሙር ጥዕና ቤተሰብ (Health Extension Program/HEP) 10 ዓመታት ኣሕሊፉ ይርከብ፡፡ ፕሮግራም ምግፋሕ ጥሙር ጥዕና (HEP)፣ ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ-ምክልኻል ሕማማትን ምስጓም ጥዕናን - ምትእትታው ግልጋሎት ሕክምና ቀለልቲ ሕማማትን ብፍላይ ድማ ንኣዴታትን ህፃናትን ትኹረት ብምግባር ስድራ ቤት ብምሕቋፍ ዝንቀሳቐስ ፕሮግራም እዩ፡፡ እዚ ፕሮግራም ንምትግባር ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 600 ኬላታት ጥዕና ተሃኒፀን፡፡ ልዕሊ 1200 ሞያተኛታት ጥሙር ጥዕና እውን ሰልጢነን እየን፡፡ ክልተ ሞያተኛታት ኣብ ሓደ ኬላ ጥዕና ተመዲበን ካብ 5000-7000 በዝሒ ንዘለዎ ሕብረተሰብ ግልጋሎት እናሃባ ይርከባ፡፡ እንተኾነ ግን ዝተፈላለዩ መፅናዕታታት ከምዘመላኽትዎ ግልጋሎት ኣዴታት ጥዕና (ወሊድን ድሕሪ ወሊድን) ትሑት ሽፋን ከምዘለዎ ይሕበር፡፡ ዕላማ እዚ ዝገበርናዮ መፅናዕቲ እውን ኩነታት እቲ ግልጋሎት ብኣሃዝ ንምዕቃንን ከምኡ እውን ምኽንያታት እቲ ትሑት ግልጋሎት ንምድህሳስን እዩ፡፡ ኣብዚ መፅናዕቲ እዚ ምኽንያታት ትሑት ሽፋን ግልጋሎት ክንክን ጥንሲ ወሊድን ድሕረ ወሊድን እንታይ ምዃኑ ካብ ሕሉፍ ልምዲ (ተሞክሮ) ኣዴታትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ብዝርዝር ብምድህሳስ - ፕሮግራም ምግፋሕ ጥሙር ጥዕና ንቐረብ ግልጋሎት ኣዴታት ጥዕና ንምምሕያሽ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ እንታይ ከምዝመስል ተተንቲኑ ቐሪቡ ኣሎ፡፡ እቲ ቀረብ ግልጋሎት ጥዕና ሓሙሽተ መዐቀኒታት ብዘለዎ ፍሬም ዎርክ እዩ ተዳህሲሱ እቶም ሓሙሽተ መመዘኒታት 1. ቅርበት ትካል ጥዕናን ሰብ ሞያ ጥዕናን ንተገልገልቲ 2. ህልውነት ሰብ ሞያ ጥዕናን ናውትን ድሌት ተገልገልትን 3. ሰብ ሞያ ጥዕና ብተገልገልቲ ዘለዎም ተቐባልነት 4. ትካል ጥዕና ንድሌት ተገልገልቲ ንምዕጋብ ዘለዎ ድልውነት 5. ተገልገልቲ ወፃኢታት ሕክምና ንምሽፋን/ንምኽፋል ዘለዎም ድሌትን ዓቕምን እዮም፡፡ እዞም ሓሙሽተ መዐቀኒታት መሰረት ዝገበሩ ኣርባዕተ ዓይነታዊን አሃዛዊን ሜላታት ብምጥቃም ዝተኻየዱ መፅናዕትታት ኣብ ኣብ 4ተ ወረዳታት ትግራይ እዮም ተኻይዶም፡፡ ኣብቲ ቀዳማይ መፅናዕቲ ፕሮግራም ምግፋሕ ጥሙር ጥዕና ቤተሰብ (HEP) ኣብ ምምሕያሽ ክንክን ጥንሲ-ወሊድን-ድሕረ ወሊድን ግልጋሎት ዘምፅኦ ለውጢ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት (ጋንታአፈሹም፤ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ሕንጣሎ ዋጅራት) ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ዝተዋህበ ግልጋሎት ብምድራኽ እዩ ዳህሰሳ ተኻይዱ፡፡ ትኽክለኛነት እቲ ፀብፃብ እውን ካብ ትካላት ጥዕና ዝተልኣኸ ወርሓዊ ኣብ ወረዳ ምስ ዘሎ ፀብፃብ ብምንፅፃር ንኽረጋግፅ ተገይሩ እዩ፡፡ እቲ ካልኣይ መፅናዕቲ ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ካብ 19 ጣብያታት ካብ ዝተመረፃ 30 ቑሸታት ዕድሚአን ካብ 15-49 ዓመት ምስ ዝኾና 1115 ደቂኣንስትዮ ኣስታት 30 ደቓይቕ ዝወደአ ቃለ መሕትት ብምኽያድ እዩ ዳህሰሳ ተኻይዱ፡፡ ኣብ ወሊድ ግልጋሎት ዘሎ ልምድን ተሞክሮን ንምድህሳስ 51 ኣዴታት ዝተሳተፋሉ ሽዱሽተ ጉጅላዊ ምይይጥ በቲ ሳልሳይ መፅናዕቲ ምርምር ዝተፈፀመ እንትኾን ምስ ሸሞንተ ሞያተኛታት ጥሙር ጥዕናን ኣርባዕተ ነርስ መዋልዳንን ቃለ መሕትት ብምኽያድ እቲ 4ይ ምርምር/መፅናዕቲ ተፈፂሙ እዩ፡፡ ውፅኢት ቀዳማይ መፅናዕታዊ
- Published
- 2015